Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለዩ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ዓመተ 2013 ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሳነ ምምሕዳራት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል እንተኽብሩ ብምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ምስ ፋናብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ሕብረተሰብ እቲ በዓል እንተኽብር ንቫይረስ ኮሮና ተቓላዒ ንከይኸውን ክጥንቀቕ ኣለዎ ኢሎም።

ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ክድግፉ ይግባእ እውን ኢሎም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ሙሓመድ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያዊ ባህሊ ምድግጋፍ ኣብ እዋን እቲ በዓል ክድገምን ደገፍ ንዘድሊዮም ወገናት ኣብ ጎድኖም ምዃንን የድሊ ኢሎም።

ምምሕዳር ክልል ሃረሪ፥ ንመላእ ሰዓብቲ ክርስትና ንበዓል ልደት እንኳዕ ኣብፀሐኩም ክብል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

እቲ በዓል ሃገራዊ ሓድነት ብዘጠናኽርን ሰላምን ልምዓትን እዛ ሃገር ብዘማዕብልክ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.