Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፃውዒት መተኣኻኸቢ እቶት ህፁፅ ጊዘ ምላሽን ምትካል እግሪን ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ፃውዒት መተኣኻኸቢ እቶት ህፁፅ ጊዘ ምላሽን ምትካል እግሪን ኣቕሪቡ።

እቲ ማሕበር ብፀገም ፀፅታ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ሓደጋ ውሑጅ፣ ኮቪድ 19ን ካልኦት ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባር ዘኽአል ፃውዒት ኢዩ ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እዚ 300 ወለንታዊያንን ሰራሕተኛታትን ከምኡውን 100 ኣምቡላንሳት ብምውፋር ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ወራር ዕስለ ኣንበጣን ድሕሪኡ ብዝተፈጠረ ጎንፂን ምኽኒያት ንሓደጋ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ዘለዉ ወገናት ህይወቶም ንምድሓንን መሊስካ እግሪ ንምትካልን ዓሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ ዞባታት ምዕራብ፣ ማእኸላይን ደቡብን ትግራይ ኣካይደዩ ኣብ ዝበሎ እዋናዊ ገምጋም፣ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ጎንደር ፣ ሰሜን ወሎ፣ ዞባ መተከል፣ ኮንሶን ቤንቺ ሸኮን ብሓፈሻ ተወሳኺ መግቢ ዝደልዩ ልዕሊ 2 ነጥብ 53 ሚሊየን ተ፪ቃላዕቲ ሰባት ከምዘለዉ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ከልተ ኣዋርሕ ዘጋጠሙ ፀገማት ፀፅታ ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ደቡብ ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን፣ ኦሮሚያ 30 ሚሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ለዕሊ 200 ሺሕ ሰባት ኣቕርቦት ናውቲታት ሕክምና፣ ምግቢ፣ መፅለሊን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲታትን፤ ቤተሰብ ናይ ምርኻብ ኣገልግሎት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ።

ኣብቶም ከባቢታት ተወሳኺ ትካላት ማእኸል ጥዕናን ጨንፈራት ቀይሕ መስቀል መሊስካ ምፅጋንን ምህናፅን ከምዘድሊ እውን ሓቢሩ።

ነቶም ዝተሓበሩ ከባቢታት ዝኸውን ሓገዝ ንምሃብ ልዕሊ 9 ሚሊየን በር ዝግመት ገንዘብ የድሊ እውን ኢሉ።

ስለዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ዝደሊዩ ኣካላት ኣብ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ናብ ዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ 1000 000 902 008 ኣታዊ ክገብሩ ፀዊዑ።

ከምኡ ውን ብኦን ላይን ሓገዝ ንምግባር ዝደሊዩ https://donate.bankofabyssinia.com/dashboard/ercs.php ዝብል ክጥቀሙ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.