Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወታደራዊ መሰልጠኒ ሁርሶ እናሰልጠኑ ዝነበሩ ምልምል ወታደራት ስነ-ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወታደራዊ መሰልጠኒ ሁርሶ እናሰልጠኑ ዝነበሩ ምልምል ወታደራት ስነ-ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣዛዚ ማእኸል ምኽባር ሰላም ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ጄኔራል ደስታ ኣብቼ ሓዊሱ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራሓታት፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ስድራቤት ተመረቕቲን ተረኺቦም።

ተመረቕቲ ምልምል ወታደራት ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ናይ ክብሪ ኣጋይሽ ዝተፈላለዩ ወታደራዊ ምርኢታት ኣቕሪቦም።

እቶም ወታደራት ስልጠናታት ኣካል ጥንካረ፣ ተኹሲን ሜላን ብምውሳድ ልዑል ዓቕሚ ምህናፆም ብተግባር ዘርአዩ ምዃኖም ምግላፁ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.