Fana: At a Speed of Life!

በዓልቲ ቤትን ውላድን ኣምባሳደር ስዩም መስፍን 50 ሺሕ ብር ዋሕስ ብምትሓዝ ንክወፅኡ ቤት ፍርዲ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ወይዘሮ ፈለገ ህይወት በርሀን ውላዶም ኣግኣዚ ስዩምን 50 ሺሕ ብር ዋሕስ ብምትሓዝ ንክወፅኡ ቤት ፍርዲ ፈቒዱ።
ነዚ ዝፈቐደ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ቆፀሮ ጊዘ ኢዩ።
ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤት ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ወይዘሮ ፈለገ ህይወት በርሀን ውላዶም ኣግኣዚ ስዩምን ምርመርኡ ዛዚሙ
ንከቕርብን መዝገብ ምርመርኡ ሒዙ ንክቐርብን ተኣዚዙ ዝነበረ እንትኸውን፥ መርማሪ ህዝቢ ግን እቲ መዝገብ ብኻሊእ መርማሪ ቢሩኡ ስለዝተቖለፈ እቲ መዝገብ ሒዘ ኣይቀረብኩን ክብል ምላሽ ሂቡ ኢዩ።
ንዝተረፈ ምርመራ ካብ ኤጀንሲ ኢንፎረሜሽንን መርበብ ድሕንነትን ናይ ስልኪ ልውውጥ ሓበሬታ ንምምፃእ ተወሳኺ 14 መዓልታት ዝሓተተ እንትኸውን፥ ጠበቓ ተጠርጠርቲ ሓበሬታ ንምምፃእ ጥራሕ ተጠርጠርቲ ኣሲሩ ምፅናሕ ግቡእእነት ኣይብሉን እንትበል ሕቶ ውሕስና ኣልዒሉ።
እቲ መጋባእያ እቲ መርማሪ ፖሊስ ዘቕረቦ ምኽኒያት ኣይተቐበሎን ሕቶ ውሕስና ግቡእ ኢዩ ብዝብል እውን 50 ሺሕ ብር ዋሕስ ብምትሓዝ ንክወፅኡ ፈቒዱ።
ከምኡ ውን ካብ ሃገር ንከይወፅኡ እግድ ንክነብር ኣዚዙ።
ብታሪክ ኣዱኛ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.