Fana: At a Speed of Life!

ብሰነድ ዝተቐመጠ ብር 23 ነጥቢ 8 ቢሊየን፤ ናብ ገንዘብ ንኽቕየር ኮሚቴ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ልዑል ገበርቲ ክፍሊ ብሰነድ ጥራሕ ዘቐመጦ ብር 23 ነጥቢ 8 ቢሊየን፤ ናብ ገንዘብ ንኽቕየር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ስራሕቲ ምንቅስቓስ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ብኣካል ዑደት ምስ ገበረ ግብረ መልሲ ሂቡ፡፡

ኣተሓባበሪ እቲ ዑደት ኣይተ መስፍን መሸሻ እቲ ግብረ መልሲ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፥ ዝሰርሓን ዘይሰርሓን መመዝገቢ ዕድጊትን መሸጢን ማሽናት ተፈሊየን፤ ፅገና፣ ሕድሳትን ክትትልን ክግበረሎም ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ምጭብርባርን ምሕባእን ታክሲ ብዝምልከት እውን ክትትልን ቁፅፅርን ንኽግበርን ግብሪ ኣብ ዘየፍልጡን ንክዩን ከፈልቲ ግብሪ ዝግበር ምቁፅፃር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብሰነድ ተቐሚጡ ዝነበረ ብር 23 ነጥቢ 8 ቢሊየን እውን ናብ ገንዘብ ንኽቕየር፤ ልዑል ክትትል ንኽግበርን እውን ብሽም እቲ ቀዋሚ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተተሓሒዙ 52 ትካላት ዘየፍለጡ ከምዝኾኑ፣ 496 መመዝገቢ መሸጣ ማሽናት ኣብ ስራሕ ዘይምዃኖምን እቶም 199 ናብ ስራሕ ዘይምለሳ ምዃነን፣ ኣብቲ ጨንፈር ብክፍተት ተላዒሉ፡፡

እቲ ኮሚቴ፥ 87 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከፈልቲ ግብሪ ብኢ-ታክስ ምፍላጡን ትልሚ ኣተኣኻኽባ ውዙፍ ዕዳን ዝሐሸ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኦዲት ታክሲ ብዝምልከት ድማ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ምህላዉ፣ ተግባር ዕድጊት ብትልሚ ክምራሕ ምኅኣሉ፣ ኣዋጃትን ሕጊታትን ተበፃሕቲ ክኾኑ ምግባሮም ኣበረታቲዑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.