Fana: At a Speed of Life!

መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ትካላት ፋይናንስ ዘካተተን ፅሬት ዘለዎ ለውጢ ምጣነ ሃፍቲን ዓምዲ ዘሓዘ ኢዩ – ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ትካላት ፋይናንስ፣ ፅሬት ዘለዎ ለውጢ ምጣነ ሃፍቲ፣ ዓቕሚ ህንፀት ቴክኖሎጂን ዲጂታል ኢኮኖሚን ዘካተተ ዓምዲ ዘሓዘ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።

እተን ኮሚሽነር ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀደሰማይ ሚኒስትር ኣብ ፖሊሲ ማተርስ ፃንሒት ገይረን።

ኣብ ፃንሒተን ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ዕቤት ዘመዝገበት ይኹን እምበር ዝተመዝገቡ ለውጢታት ናብ ሕድሕድ ዜጋ ተበፃሕቲ ስለዘይኮኑ ካብ ህዝቢ ብዙሓት ሕቶታት ዴሞክራሲን ተረባሕነትን ከምዝተልዓሉ ገሊፀን።

ስለዝኾነ እውን እናዓበየ ዝርከብ ኢኮኖሚ ንኹሉ ዘካተተ ክኸውንን ሕቶታት ተረባሕነት ንምምላስ ስራሕቲ ለውጢ ኣድላዪ ኮይኒ ኢዩ ኢለን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተሰርሐ ዝርከብ መሪሕ ትልም ልምዓት 10 ዓመት ድማ ድኽነት ብፍርቂ ብምንካይ ንኢትዮጵያ ማእኸላይ እቶት ምስ ዘለወን ሃገራት ንምስራዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፀን።

እቲ ፖሊሲ ስእነት ስራሕ 9 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ከምዝስራሕን ኣብ ዘፈር መሰረተ ልምዓት እውን ሰፋሕቲ ተግባራት ከምዝስርሑ ዝሓበራ ዶክተር ፍፁም፥ ኣብ ዘፈር ልምዓት ሓይሊ ኣብ ከተማን ገጠርን 20 ጊጋ ዋት ሓይሊ ንምፍልፋል ከምዝተሃቀነ ከም ኣብነት ኣልዒለን።

ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ድማ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕናን ህንፀት ዓቕሚን ስራሕቲ ብምትኳር ካልኦት ሽቶታት ዘካተተ ኢዩ ኢለን።

እዚ ንምዕዋት እቲ መሪሕ ትልሚ ሰፋሕቲ ዓምዲታት ከምዝሓዘ ዝሓበራ እተን ኮሚሽነር፥ መካተቲን ፅሬት ዘለዎ ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ዝተፀንዐ ሽቶን ፍርያታውነትን፣ ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ትካላት ፋይናንስ፣ ዓቕሚ ህንፀት ቴክኖሎጂን ዲጂታል ኢኮኖሚን ከምዝተኻተቱ ኣብሪሀን።

ሴክተር ውልቀ ኣብ ቅድሚት ብምስላፍ ብምግባር፣ ትካላዊ ህንፀት ከምኡ እውን ፍትሒን ህዝባዊ ግልጋሎታትን ምርካብ፣ ማሕበራዊ ተሳትፎ ምብቃዕ፣ ኣብ ከባቢ እቲ ዞባ ልምዓትን ምትእስሳርን ምፍጣር፣ ህንፀት ፀጥታን ድሕንነትን ዝበሉ ዓምዲታት ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ከምዝተኻተቱገሊፀን።

እቲ መሪሕ ትልሚ፥ ምስ ልዕሊ 100 ላዕለዎት ኣማኸርቲ ብምዃን ከምዝተዳለወን ዝተቐመጠ ሽቶ ንምዕዋት ውፀኢት መሰረት ዝገበረ መለክዒ ዘካተተ ኢዩ ምባለን ገዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.