Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ክልል ዓፋር ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ሚኒስትር ዲኤታ ዘፈር ምኽባር ሕጊ ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ክልል ዓፋር ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ተዛቲዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ከምኡ እውን ካብ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ,ን ድሕንነትን ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያታትን ዘካተተ ጉጅለ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ተወከልቲ ብሄረሰብ ዓፋርን ዒሳን ብምርካብ ኣብ ከተማታት ገዋኔ፣ ኣሩካን እንደፎን ዘተ ኣሳሊጡ፡፡

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ መንግስቲ ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዝተመዛበሉ፣ ካብ ትምህርቶም ዝተኣጓጎሉን ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዘኽታማትን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ኣድላዪ ሓገዝን ክንክንን ንኽረኽቡ ክገብር ኢዩ ኢለን፡፡

ተሳታፊ እቲ ዘተ ተወከልቲ ማሕበረሰባት ምስ ኣባላት ሓይሊ ፀፅታ ብምትሕብባርን ብምትሕግጋዝን ንሰላም ንኽሰርሑ እውን ፃውዒት ኣቕሪበን።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ተወከልቲ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስቲዮን ህፃናትን ነቲ ፃውዒት ኣኽቢሮም ስለዝተረኸቡ ምስጋና ምቕራበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.