Fana: At a Speed of Life!

ብሪታኒያ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት ካብ ሕብረት ኣውሮፓ  ብዕሊ ወፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሪታኒያ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት 2021  ካብ ሕብረት ኣውሮፓ  ብዕሊ ተፈልያ ሓድሽ መገዲ ከምዝጀመረት ተገሊፁ።

እታ ሃገር ሓሙስ ናብ ዓርቢ ኣብ ዘውገሓሉ ዕለት ካብ ለይቲ ሰዓት ሓሙሽተ ጀሚሩ ንሕግታት ሕብረት ኣውሮፓ ምስዓብ ደው ከምዘበለት ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ’ታ ሃገር ቦሪስ ጆንሰን “ብሪታንያ ናፅነታ ጨቢጣ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ድሕሪ ሐዚ ነገራት ብዝተፈለየን ብዝሓሸን ኣገባብ ክነሳልጥ ንኽእል ኢና ድማ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን፥ ብሪታኒያ መሓዛን መሻርኽትን ናይ’ቲ ሕብረት ኮይና ክትቅፅል እያ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሚኒስትራት ብሪታኒያ ኣብ ዝመፅእ ሰሙናት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ለውጥታት ክግበር ምዃኑ ብምግላፅ፥ ህዝቢ ሓደሽቲ ነገራት ክፅበ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.