Fana: At a Speed of Life!

ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ፅምብል ሓድሽ ዓመት 2021 ደብዚዙ ይብዓል ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምሉእ ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስኮሮና ሰባት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክል እገዳታት ብምህለው ዳርጋ ንፈለማ እዋን እቲ ፅምብል ሓድሽ ዓመት 2021 ደብዚዙ ይብዓል ከምዘሎ ተገሊፁ።

ካብ ኣውስትራልያ ከተማ ሲድኒ ክሳብ ኒውዮርከ ርችታት ምትኳስን ማሕበራዊ ምትእኽኻብን ተሰሪዙ’ሎ።

ብፍላይ ኣብ ኤውሮፓ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስኮሮና እታ ክፍለዓለም ዳርጋ ብፅምዋ እያ ተዋሒጣ ዘላ ተባሂሉ።

ፈረንሳይ ሰባት ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ከይተኣኻኸቡ ዝኽልክሉን ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ ዝቆፃፀሩን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፀንሑ ፖሊስ 100 ሺሕ ሰራዊት ኣዋፊራ ትርከብ።

ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ እቲ ሕማም  ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሰባት ሞይቶም ኢዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.