Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ብፅልኢ ተሃኒፁ ብፅልኢ ዝፈረሰ ውድብ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ምስ ደርጊ ጥራሕ እንተይኾነስ ምስ ብዙሓት ፓርትታት ከምዝተፃለአን ኸዚ እውን እዚ ባህሪኡ ዝተረአየን ብፅልኢ ተሃኒፁ ብፅልኢ ዝፈረሰ ውድብ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ዴሞክራሲ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ገሊፆም።

ኣመራርሓ ህወሓት ብመዓርነት ዘይኣመንን እዩ ውን ኢሎም።

ኣይተ ዛዲግ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ ህወሓት ናይ ለውጢ ፓርቲ ከምዘይነበረን ዝምራሓሉ ፕሮግራማት እውን ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተሓንፀፀ ምስ እዋናዊ ኩነታት ዘይናበብን እዩ።

ህወሓት ዲሞክራሲ ዝባሃል ነገር ክሰምዕን ክሰፍንንዘየኽእል ፤ኾይኑ ግና ብብርኪ ሃገር ንብዙሓት ዘታኣናግድፌደራሊስት እየ እናበለ ህዝቢ ዘደናግር ዝነበረ ፓርቲከምዝነበረን ዝገለፁ ኣይተ ዛዲግ፣ እኳዳኣስ ኣሃዳዊውድብ ከምዝኾነን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ዘመናውንተሳጋርን ፓርቲ ከምዘይኮነ ሓቢሮም።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.