Fana: At a Speed of Life!

ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኮማንደር ግርማይ ናይዝጊ ሓዊሱ 6 ተጠርጠርቲ ዋሕስ ተፈቒዱሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኮማንደር ግርማይ ናይዝጊ ሓዊሱ 6 ተጠርጠርቲ ዋሕስ ተፈቒዱሎም።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ኮማንደር ግርማይ ናይዝጊ፣ ጡረተኛ ሰራዊት ምክልኻል ሌተናል ኮሎኔል ገብረማርያም ኣርያ፣ ወይዘሮ ተክለብርሃን በርሀ፣ ዘረሰናይ ገብረዮሃንስ፣ ጡረተኛው ሰራዊት ምክኻል ብርጋዴል ጀነራል ሓየሎም ግብረስላሴን ዳንኤል ገብረመድህን ኢዮም።

ቅድሚ ሕዚ ቤት ፍርዲ ነቶም ተጠርጠርቲ ዋሕስ ፈቒዱ ዝነበረ እንትኸውን፥ መርማሪ ፖሊስ እውን ብይግባይ እቲ መዝገብ ዳም ንኽረአ ምግባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።

ስለዝኾነ ድማ መርማሪ ፖሊስ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተውሃቦ እዋን ምርመራ ዝሰርሖ ምርመራ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ተጠርጠርቲ እውን 53 መዓልቲታት ብዘይግቡእ ተኣሲርና ኢና ብምባል ፍትሒ ንኽወሃቦም ሓቲቶም።

እቲ መዝገብ ዝመርመረ ቤት ፍርዲ ብግድኡ እዋን ቆፀሮ ዝወሃብ ተሳትፎ ገበን ኣፃሪኻ መረዳእታ ንምቕራብ እምበር ተመሳሳሊ ምርመራ ንምቕራብ ኣይኮነን ኢሉ።

ተጠርጠርቲ 53 መዓልቲታት ዝተኣሰሩ ስለዝኾኑን ዝተቓላጠፈ ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰልን ኣብ ግምት ብምእታው ምርመራ ስለዘይተሰርሐ ከምኡ እውን ቤት ፍርዲ ተጠርጠርቲ ሕድሕዶም ብ10 ሺሕ ዋሕስ ኣትሒዞም ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ኣዚዙ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ቅድሚ ሕዚ ዘትሓዙዎ ናይ ዋሕስ ብር እንተሃሊዩ ንኽምለሰሎም ብምውሳን ተጠርጠርቲ እውን ካብ ሃገር ከይወፅኡ እግድ ንኽንንበር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.