Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብዓውዲ መዓድን ምፍራይ ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕሚ ብምፍጣር ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ዓቕማ ክተጠናኽር ኢያ-ቀ/ሚ/ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)  ኢትዮጵያ ብዓውዲ መዓድን ምፍራይ ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕሚ ብምፍጣር ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ዘኽእላ ዓቕማ ክተጠናኽር ኢያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስ ቡክ ገፅ ከምዝበልዎ፥ ኢትዮጵያ እታዎታት ብምውሳኽ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ባህላዊ መውፃእቲ መኣድንን ህይወት ማሕበረሰበን ምምሕያሽ ዘኽእሉ ብዙሓት መዓድናት ተፈጥሮ ዝተዓደለት ሃገር ኢያ ኢሎም።

ወርቂ፣ ቤዝ ሓፃዊን፣ ፖታሽ፣ ታንታለም፣ ሰንፔር፣ ኤመራልድን  ኦፓልን ዝብሉ እውን ከም ኣብነት ረቝሖም።

ብዓውዲ መዓድን ምፍራይ ዘኽእል ሃገራዊ ዓቕሚ ብምፍጣር ዕዳጋ ወፃኢን ሸርፊ ወፃኢን ንምርካብ ዘኽእል ዓቕማ ክተጠናኽር ኢያ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.