Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ከማልኡ ዝግበኦም መለክዒታት ዘየማልኡ ክልተ ፓርቲታት ፖለቲካ ሰሪዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 13 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ብመሰረት ዘውፀኦ መግለፂ ከማልኡዎም ካብ ዝግበኡ መለክዒታት ካብ ሞንጎ ዝተሓተቱ ፓርቲታት ፖለቲካ እቶም ኣርባዕተ ዘማልኡ እንትኾኑ ነቲ መለክዒ ዘየማልኡ ክልተ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

መለክዒ ኣማሊኦም ዝዛዘሙ ፓርቲታት ፖለቲካ፦

  1. ብሔራዊ ናፅነት ግንባር ኦጋዴን /ኦብነግ/- 39 ሚኢታዊ
  2. ፓርቲ ህዝቢ ዓፋር /አሕፓ/- 45 ሚኢታዊ
  3. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ጋሞ /ጋዴፓ/ -94 ሚኢታዊ
  4. ውድብ ናፅነት ግምባር ዓፋር /ዓነግፓ/ – 48 ሚኢታዊ

መለክዒ ብዘይምምላእ ዝተሰረዙ ድማ፦

  1. ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ መላእ ህዝቢ ኦረሮሞ /መኦሕዴፓ/ ክታም መረጋገፂ ናሙና መስረትቲ ትሕቲ 35 ሚኢታዊ ስለዝኾነን ናይ 1 ሺሕን 142 መስረትቲ ኣባላት መረጋገፂ ነባራይነት ስለዘይተማልአን ፣
  2. ብሔራዊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ሲዳማ /ሲብዴፓ/ – ናይ 778 መስረትቲ ኣባላት መረጋገፂ መለለዪ ነባራይነት ዘይተማልአ ብምዃኑን ብመሰኻኽር ተረጋጊፁ ዝቐረበ ነገር ብዘይምህላዉ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.