Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢት ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ዕላዊ ኮይኑ፤ 80 ሚኢታዊ ተምሃሮ ድማ ናብ ዝቕፅል ክፍሊ ሓለፎም – ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ውፅኢት ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ዕላዊ ኮይኑ ከምዝኾነ ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ንክልላዊ ፈተና ካብ ሞንጎ ዝተቐመጡ ተምሃሮ 80 ሚኢታዊ ናብ 9ይ ክፍሊ ዝሓለፉ እንትኾኑ፥ ዝሐሸ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን እቲ ቢሮ ገሊፁ፡፡

ውፅኢት እቲ ፈተና፥ ሎሚ መዓልቲ ናብ 10ቲአን ክፍለ ከተማታት ከምዝተዘርገሐ ተሓቢሩ፡፡

ተምሃሮ ድማ ውፅኢቶም ነናብ በት ትምህርቶም ከይዶም ምርኣይ ከምዝኽእሉ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ 156 ጣቢያታት መፈጠኒ 71 ሺሕን 476 ተምሃሮ ከምዝተፈተኑ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.