Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 32 ሚሊየን ዜጋታት ተጠቀምቲ ሽፋን መድሕን ጥዕና ኮይኖም -ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ልዕሊ 32 ሚሊየን ዜጋታት ተጠቀምቲ ሽፋን መድሕን ጥዕና ከምዝኾኑ ሚኒስትር ትዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወፍሪ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮናን ምርግጋፅ ተበፃሕነት መድሕን ጥዕናን ኣመልኪቱ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ዘተ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር፣ ሚኒስትርጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነግስቲ እቲ ክልልን ኣመራርሓታት ዞባን ወረዳን ተረኺቦም።

ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፥ ስርዓት መድሕን ጥዕና፤ ኣብ ገፀርን ከተማታትን ስሩዕ ብዘይኮነ ዘፈር ኢኮኖሚ ተዋፊሮም ዝርከቡ ዜጋታት ተረባሕንትን ተጠቃምነትን ዘረጋግፅ ስርዓት ኢዩ ኢለን።

ብብርኪ ሃገር ኣብ 2003 ዓ.ም ኣብ 13 ወረዳታት ዝተጀመረ ስርዓት መድሕን ጥዕና፤ ኣብ 2012 ዓ.ም ኣብ 770 ወረዳታት እናተተግበረ እንትኸውን፥ 32 ሚሊየን ዜጋታት ድማ ተረባሕቲ እናኾኑ ከምዝርከቡ ኣብሪሀን።

ብር 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ካብ ኣባላት ከምዝተኣከበ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ብር 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዜጋታት ድማ በቲ መድሕን ጥዕና ወፃኢ ተሸፊነኑሎም ግልጋሎት ጥዕና ክረኽቡ ምኽሎም ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.