Fana: At a Speed of Life!

መተሓዳደሪ ድንጋገ ሓበራዊ ፎረም ዴሞክራሲያዊ ትካላት ፌዴራል ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መተሓዳደሪ ድንጋገ ሓበራዊ ፎረም ትካላት ዴሞክራሲ ፌዴራል ፀዲቑ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሓጋዚ ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ጫላ ለሚ፥ ኣብ ምድላው እቲ መተሓዳደሪ ድንጋገ መዳርግቲ ኣካላትን ሰብ ሞያ ሕጊን ከምተሳተፉን ሰፊሕ ምይይጥ ከምዝተገበረሉን ኣብሪሆም፡፡

እቲ መተሓዳደሪ ድንጋገ ዘቕረቡ ኣይተ ደበበ ወልደጊዮርጊስ፥ እቲ ሰንድ ቅድሚ ምድላዉ ትሽዓተ ናፃን ዘይሻራዊን ኮይኖም ብዝሰርሑን ፀፀዋዕቲ ትካላትን ምስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘለዎም ርክብ፣ ተሓታታይነት፣ ንህዝቢ ዘለዎም ተበፃሕነት፣ ኣመሓድራ ሃፍቲ ሰብን በጀትን ከምኡ እውን ዘጋጥሙዎም ፀገማት ዝምልከት ዳህሳስ መፅናዕቲ ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

በቀረበው ሰነድ ላይም ከተሳታፊዎች በርከት ያሉ ጥያቄዎችና አስተያየቶች ቀርበው ውይይት የተደረገባቸው ሲሆን÷ ተቋማቱ ‹‹የዴሞክራሲ ተቋማት›› ከሚባሉ ‹‹ነፃ ወይም ገለልተኛ ተቋማት ቢባሉ›› የሚል ሀሳብ ተነስቷል

ካብ ተሳተፍቲ ብዙሓት ሕቶታትን ርኢቶታትን በቲ ዝቐረበ ሰነድ ቀሪቦም ዘተ እናተገበረ እንትኸውን፥ እቶም ትካላት “ዴሞክራሲያዊ ትካላት” ካብ ዝበሃሉ “ናፃ ወይ ድማ ዘይሻራዊ ትካላት” እንተዝበሃሉ ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ፥ እቶም ትካላት ዘይሻራዊ ኮይኖም ዝሰርሑ ይኹኑ እምበር ተፀዋዕነቶም ነቲ ባይቶ ስለዝኾነ፤ “ተፀዋዕቲ ትካላት” ተባሂሎም እንተዝፅውዑ ግቡእ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

መተሓዳደሪ ድንጋገ ሓበራዊ ፎረም ተፀዋዕቲ ትካላት እውን ናብቲ ጉባኤ ኣቕሪቦም ኣፅዲቖም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና፥ ድማ ሪፎርም ብሄራዊ ቡርድ መረፃን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ቀሪቡ ምይይጥ ከምዝተገበረሉ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.