Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣድሂቡ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ስትራቴጂክ መሪሕ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ዘድሃበ ዘተ ኣካይዱ።

እቲ ዘተ ኣብ ከተማ ጂግጂጋ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሓበራዊ መድረኽ ምይይጥ ትካላት ዴሞክራሲ ኢዩ፡፡

ዋና ፀሓፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ባይቶ፥ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ንምስላጥ ዝተተለሙ ተግባራት ብዝርዝር ኣቕሪቦም፡፡

በቲ ዝቐረበ መሪሕ ትልሚ ድማ ካብ ተሳተፍቲ ብዙሓት ሕቶታትን ርእይቶታትን ተላዒሎም ሰፋሕቲ ምይይጣት ተገይሩሎም፡፡

እቲ ዝቐረበ ትልሚ፥ ፅቡቕ መበገሲን ክስራሕ ዝኽእል ከምዝኾነን ብተሳተፍቲ ተገሊፁ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብቲ ትልሚ ብዝግባእ ኣቲዮም ክረአዩ ዝግባእ ዝተብሃሉ ርእይቶታት ተላዒሎም፡፡

ኣፈ ጉባኤ እቲ ባይቶ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ በቲ ባይቶ ዝወፀኡ ሕጊታት ጉድለታት ፅሬት ስለዘሎ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብዙሓት ዘተታት ከምዝተገበሩ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ፅሬት ዘለዎም ሕጊታት ንምውፃእ ዝሕግዝ ማንዋል መርቀቂ ሕጊ ከምዝተዛዘመን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ዝውዕልከምዝኾነን ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝወፅኡ ሕጊታት ኣድሂቡ ዘዛቲ ኮሚሽን ሕጊ ወይ ድማ ማእኸል ሕጊ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ሚዲያታት ሓዊሱ ስራሕቲ እቲ ባይቶ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ባይቶ ተበፃሒ ምግባር፣ ኣብዛ ሃገር ናፃ ኮይነን ዝሰርሓ ዴሞክራሲያዊ ትካላት ምህላወን ኣገዳሲ ስለዝኾና ናፃ ኮይነን ዝሰርሓ ኣቢያተ ፍርዲ፣ ትካላት ስብኣዊ መሰላት፣ ዝተጠናኸራ መራኸብቲ ሓፋሽ ንኽህልዋ እናተሰርሓ ከምዝኾና እውን ገሊፆም፡፡

በቲ ባይቶ ዝተውሃቦ ተግባራት ዘይተዋፀአ ኣካል ብግቡእ ብምግምጋም ተሓተትቲ ናይ ምግባር ተግባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግበኦ ኢሎም፡፡

እቲ ትልሚ ዝተልዓሉ ርእይቶታት ብግቡእ ብምውሳድ ማዕቢሉ፤ ንዝምልከቶም ኣካላት ከምዝለኣኽ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.