Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ጁንታ ህወሓት ተመሊሱ ክመፅእ እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ክወፅእ ከም ዘለዎ ላዕለዋይ አመራርሓ ፖርቲ ብልፅግና ዶክተር አብርሃም በላይ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ጉጅለ ጁንታ ተመሊሱ ክመፅእ እዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ክወፅእ ከም ዝግበኦ ላዕለዋይ አመራርሐ ፖርቲ ብልፅግና ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣፍሊጦም፡፡

ነበርቲ ከተማ መቐለ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝገብርዎ ዘለው ዘተ ሎሚ ውን እናቐፀለ እዩ፡፡

ኣብዚ መድረኽ እዚ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ንነበርቲ ከተማ መቀለ ምላሽ ኣብ ምሃብ ካብ ዝርከቡ አመራርሓታት እቶም ሓደ ላዕለዋይ አመራርሓ ፖርቲ ብልፅግና ዝኾኑ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ከም ዝበልዎ ኣፍታ ከተማ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ጁንታ ህወሓት ብዝምልከት “ተመሊሶም ክመፁ እዮም”ዝብል ናይ ሓሶት ወረ እናተናፈሰ ይርከብ፡፡እዚ እማን ከምዘይኮነን ሐሶት ከምዝኾነ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ፡፡

ህዝብና ብሐሶት ክደናገር የብሉን ዝበሉ ዶክተር ኣብርሃም ቀደም ጃንሆይ ድሕሪ ምውራዶም ህዝቢ ክምለሱ እዮም ኢሉ እናተፀበየ ነይሩ ንደርጊ ውን ክምለስ እዩ እናበለ ዝፅበይ ሰብ ነይሩ፡፡ሕጂ ውን ብተመሳሳሊ እናተፀበየ ዝርከብ ሰብ አሎ፡፡እዚ ክኸውን ኣይግባእን ክብሉ ካብ ተዛተይቲ ንዝቀረበሎም ሕቶ ምላሽ ሂቦም፡፡

ሰራሕተኛ መንግስቲ ማለት መገልገላይ ህዝቢ እዩ ኹሉ ናብ ስርሑ ኣትዩ ካብ ልቡ ከገልግል አለዎ ዝበሉ ድማ አፈፃሚ ስራሕ እዋናዊ አመሓድራ ዶክተር ሙሉ ነጋ እዮም፡፡

“ቅድም ክብል ህዝቢ ዘሳቀዩ፡ፅቡቅ ስነ ምግባር ዘይብሎም ማልያ ቀይሮም ናብ አመራርሓ ንኸይመፁ ህዝቢ ክሕግዘና ይግባእ”ክብሉ ዶክተር ሙሉ ንተዛተይቲ አብሪሆም፡፡

ምስ መሬት ዝተተሐሐዘ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ክትዛረቦ ክትሰምዖ ከለኻ ብዙሕ ትምህርቲ ትረክብ፡፡”ንሕና እናሰራሕና ኢና እቲ ዝተረፈ ድማ ህዝቢ ክሕግዘና ይግባእ፡፡ህዝብና ዝበለና ክንሰምዕ ባዕሉ ዝደለዮ ክመርፅ ይግባእ”ክብሉ ንተዛተይቲ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.