Fana: At a Speed of Life!

ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢኔ ተሸይሞም ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ፥ ኣብቲ ክልል ካብ ሞንጎ ዘድሊዩ 16 ኣባላት ካቢኔ 11 ተሸምቲ ብወግዒ ስራሕ ምጅማሮም ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ፡-

ዶክተር ካሕሳይ ብርሃኑ ……… ሓላፊ ቢሮ ፋይናንስ እቲ ክልል

ኢንጂነር ኣሉላ ሃብተኣብ …… ሓላፊ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን

ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሴ …… ሓላፊ ቢሮ ጥዕና

ኣይተ ኣበራ ንጉሴ ……………….. ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ

ወይዘሮ እቴነሽ ንጉሴ ………… ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣይተ ዮሴፍ ተስፋይ ………….. ሓላፊ ቢሮ ንግዲ፣ ኢንዱስትሪን ልምዓት ከተማን

ዶክተር ተስፋይ ሰለሞን ………. ሓላፊ ቢሮ ትምህርት

ዶክተር ገብረህይወት ለገሰ ……. ሓላፊ ቢሮ መፅናዕቲን ዲዛይንን ማይ

ኣይተ ሰለሞን ኣበራ ……………….. ሓላፊ ቢሮ ሃፍቲ ማይ

ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ……………….. ሓላፊ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ

ኣይተ ገብረመስቀል ካሳ ሓላፊ ቤት ፅፈት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ተገሊፁ።

ካልኦት ዘይተማልኡ ኣባላት ካቢኔ ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ተማሊኦም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ኢዮም ምባሉ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.