Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣምባሳደር ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታሕሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ንኻልኣይ ግዘ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ተራእዩ።

ስለዝኾነ መርማሪ ፖሊስ፥ ኣምባሳደር ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ልኡኽቶ ተቐቢሎም ዘይኮነስ ዋና ተግባሪ ገበን ኮይኖም እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበረ ብዝረኸብኩዎ መረዳእታ ኣረጋጊፀ ኢየ ኢሉ።

ተጠርጣሪ ኢትዮጵያ ምስ ኣፍሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዘለዋ ርክብ ንምልሕላሕን ርክባ ንምቁራፅን እናሰርሑ ከምዝነበሩ ብመረዳእታ ምርግጋፁ እውን ፖሊስ ገሊፁ።

እቶም ተጠርጣሪ ብዋንኡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ምስ ዝርከብ ኣመራርሓ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኦነግ ሸኔ ብምርኻብ ምስ ዶክተር ደብረፅዮን ብምዃን ነቲ ጉጅለ ሓገዝ ገንዘብን ማቴሪያልን ንኅረክብ ፃዕሪ እናገበሩ ከምዝነበሩ መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ።

ካብዚ ሓሊፉ መናእሰይ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ንምግጫው ምስ ኣመራርሓታት ህወሓት እናተንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ብቴክኒክ ምርመራ ምርግጋፁ ንመጋባእያ ኣብሪሁ።

ተጠርጣሪ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ መናእሰይ ብምልማል፣ ብምውዳብን ናብ ክልል ትግራይ ወሲዶም ብምስልጣንን ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ዓመፅ ዕግርግርን ንኸልዕሉ ዘዋፈሩ ከምዝኾኑ እውን ብመረዳእታ ኣረጋጊፀ ኢየ ኢሉ።

የተጠርጣሪው ቤት በፍርድ ቤት ትዕዛዝ ሲፈተሽም በርካታ የባንክ ደብተር አግኝተን እያጣራን እንደሚገኝም ፖሊስ ገልጿል።

ኣብ መንበሪ ገዛ ተጠርጣሪ ዝተረኸቡ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታት ንምርመራ ከምዝተለኣኹን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተፈፀመ ተግባር ገበን ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ብዙሓት ዝተቐተሉሉን ኣብ ጅምላ መቓብር ዝተቐበሩን ጉድኣት በፂሑዎም ሕክምና እናተውሃቦም ዝርከቡ ከምኡ እውን ጉድኣተ ዝበፅምን ዝዓነዉን መሰረተ ልምዓታትን ንብረት ህዝቢን መጠኑ ኣፃርዩ ንምቕራብ ካልኦት ስራሕቲ ንምስላጥ 14 መዓልቲ ይወሃበኒ ክብል ፖሊስ ሓቲቱ።

ተጠርጣሪ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ምስ ጠበቐኦም ቀሪቦም እዋን ምርመራ ክወሃብ ኣይግባእን ክብሉ ተኻቲዖም።

ሕቶ ዋሕስ እውን ኣቕሪቦም።

ናይ ክልቲኡ ወገን ዘድመፀ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል እዋን ቆፀሮ መጋባእያ ድማ ተጠርጣሪ ብወዋሕስ እንተተፈቲሖም ሓበሬታ ከጥፍኡን ከይዲ ምርመራ ከተዓናቕፉን ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ግምት ብምግባር 13 ተወሰኽቲ መዓልቲታ ንመርማሪ ፖሊስ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.