Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዘፈር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምስፋሕ ምስ ብራዚል ከምትሰርሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ዘፈር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምስፋሕ ምስ ብራዚል ተሓባቢራ ከምትሰርሕ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ገሊፆም።

እቶም ኣካቢ ምስ ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣቪ ፔድሮሶ ተዛቲዮም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ታሪኽ ከምዘለወንን ክልተኣዊ ርክቡ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ጉጅለ ምሕዝነት ፓርላማ ንምጥያሽ ከምዝስራሕ ብምፅራሕ፤ እቲ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ንኽኸውን ቁጠባዊ ሃፍቲ ብምስፋሕ፣ ብፓርላሜንታዊ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ተሓጊዙ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ዶክተር ነገሪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተሳለጠ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪቶም ነቶም ኣምባሳደር መብርሂ ዝሃቡዎም እንትኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ኣምባገነን ጉጅለ ህወሓት ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝተዛዘመን ኣብቲ ክልል ሰላም ክዓስል ከምዝኸኣለን ተዛሪቦም፡፡

በቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ዝነበሩ ክፋላት ሕብረተሰብ መንግስቲ ኣድላዪ ሰብኣዊ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ነገሪ፥ እቲ ጉጅለ ዘፍረሶም መሰረተ ልምዓታት ናብ ዝነበሩዎ ናይ ምምላስ ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ እውን ሓቲቶም፡፡

ኣምባሳደር ፔድሮሶ ብግደኦም፥ ብራዚል ዘፈር ቁጠባዊ ሃፍቲ ንምስፋሕ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ አኢንቨስትመንት፣ ንግዲን ስግግር ቴክኖሎጂን ምስ ኢትዮጵያ ሓቢራ ከምትሰርሕ ገሊፆም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ብራዚል ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ኣብ ኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ ንምግባር ከምዝሰርገሑ ምግላፆም ካብ ባይ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.