Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዴን ሓዊሱ 7 ላዕለዎት መኮንናት ጦር 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብገበን ክሕደት ሃገርን ሕገ-መንግስቲን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ምፍራስን ዝተጠርጠሩ እኒ ሜጀር ጄነራል ገብረመድህን ፍቃዴን (ወዲ ነጮ) ሓዊሱ 7 ላዕለዎት መኮንናት ጦር 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ንፖሊስ ፈቒዱ።

እቲ መጋባእያ ንሎሚ መዓልቲ ብይሕደር ዝሓዞ ቆፀሮ ስዒቡ ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

5ይ ተጠርጣሪ ኣብ ካሊእ ትካላ ጥዕና ክሕከም ክብሉ ዘቕረቡዎ ሕቶ፥ ቤት ፍርዲ መርሚሩ ኣብ ፖሊስ ሆስፒታል ከምዝተሓከሙ ብምህባር ሪፈር ኣብ ዘይተፀሓፈሉ ኩነታት ኣብ ካሊእ ቦታ ክሕከም ኢሎም ዘቕረቡዎ ሕቶ ግቡእ ኣይኮነን ክብል ውድቂ ገይሩዎ።

1ይ ተጠርጣሪ ዘቕረቡዎ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ማስተርስ ፕሮግራም ንምምሃር ርም ንኽመልእ ይፈቐደለይ ዝብል ሕቶ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ፎርም ንኽመልኡ ኩነታት ይመዓራረየሎም ክብል ትእዛዝ ሂቡ።

እግድ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ይለዓለለይ ሕቶ ብዝምልከት ድማ መጋባእያ እቲ እግድ ብላዕለቃይ ዓቃቢ ሕጊ ብዝምልከቶ ኣካል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ 1ይ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ከምዝተኣገደ ገሊፁ እቲ መዝገበር ብኡኡ ክከታተሉ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

ብኻሊእ ዜና ብጉጅለ ህወሓት ልኡኽቶ ተቐቢሉ ኣብ ትካል መሰልጠኒ ፖሊስ ቤት ህንፀት ኣሌልቱ ቡምባ ንምፍንጃር እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ዝተብሃለ ኣባል ፖሊስ ፌዴራል ን2ይ ግዘ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

ተጠርጣሪ ኮንስታብል ረዳኢ ተኽሊት ይበሃል።

መርማሪ ፖሊስ ጠጠርጣሪ ቅድሚ 14 መዓልቲ ቡምባ ንምፍንጃር እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓሎ ብምግላፅ ንተወሳኺ ምርመራ ዝተውሃቦ እዋን ዝሰርሖ ስራሕ ንመጋባእያ ገሊፁ።

በቲ ዝገበሮ ምርመራ ድማ ተጠርጣሪ ካብ ጉጅለ ህወሓት ልኡኽቶ ከምዝተቐበለ መረዳእታ ረኺበ ኢየ ከምዝበለን ናይ ክልተ ሰባት መሰኻኽር ከምዝተቐበለ ብምፅራሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ምስ ተሓገገዝቱ ቡምባ ንምፍንዳእ እናተንቀሳቐሰ ከምዝነበረ ኣረጋጊፀ ኢየ ክብል ኣብሪሁ።

መርማሪ ፖሊስ ተወሰኽቶቲ ምርመራታት ንምግባር 14 መዓልቲ ይወሃበኒ ክብል ሓቲቱ።

ተጠርጣሪ ብግድኡ እቲ ገበን ኣይፈፀምኩን ክብል ተኻቲዑ።

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ኣራዳ 1ይ እዋን ቆፀሮ ንተወሳኺ ምርመራ 13 መዓልቲ ንፖሊስ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.