Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ምክትል ሓላፊ ሎጂስቲክስ እዚ ሰሜን ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ከድር መኽዚን ኣፅዋር ኣበይ ከምዝርከብ ንጉጅለ ፀረ ሰላም ህወሓት ሓበሬታ ይህቡ ከምዝነበሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ሓላፊ ሎጂስቲክስ እዚ ሰሜን ዝነበሩ ብርጋዴር ጀነራል ከድር ኣራርሶ መኽዚን ኣፅዋርን ተተኮስቲ መሳርሒታት ኲናትን ኣበይ ከምዝርከቡ ንጉጅለ ፀረ ሰላም ህወሓት ሓበሬታ ይህቡ ከምዝነበሩ ፖሊስ ገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፥ ኣፅዋራት ንኽዝረፉን ናብ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ክመሓላለፍን ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት ከምዝኾነ ዝገለፀ መርማሪ ፖሊስ፤ ተጠርጣሪ ሓላፍነቶም ንደሓር ብምግዳፍ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኣፅዋራት ካብቲ ክልል ከይወፅእ እናገበሩ ከምዝነበሩ “ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ የመላኽት” ኢሉ፡፡

እቶም ተጠርጣሪ ሎሚ መዓልቲ ንኻልኣይ ግዘ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ምድብ መጋባእያ ኣራዳ ቀሪቦም፡፡

ፖሊስ ብዙሕ ምርመራ ምግባሩ ብምግላፅ፤ ተወሳኺ ምርመራ ንምግባር 14 ተወሳኺ መዓልቲ ሓቲቱ፡፡

ተጠርጣሪ ድማ ተተኮስቲ መሳርሒታት ካብ ክልል ትግራይ ከይወፅኡ ምስ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ልዝብ ተገይሩ እቶም ኣፅዋር ኣብኡ ንኽፀንሑ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ምስቲ ገበን ግን ርክብ ከምዘይብሎምን ብናፃ ወይ ድማ ብዋሕስ ንኽፍትሑ ሓቲቶም፡፡

የማንን ፀጋምን ዝተመልከተ መጋባእያ ብግድኡ ንመርማሪ ፖሊስ 11 መዓልቲ ፈቒዱሉ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.