Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መተከል ዘሎ ፀገም ፀፅታ ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ዝተዋደደ ሓይሊ ንኽዋፈር ተገይሩ ኢዩ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ዘሎ ፀገም ፀፅታ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንምፍታሕ ዝተገበረ ፃዕሪ ዝድለ ውፅኢት ስለዘየምፀአ ካብ ሱሩ ንምፍታሕ ዝተዋደደ ሓይሊ ክዋፈር ከምዝተገበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እናተፈፀመ ዝርከብ ጭፍጨፋ ኣዚዩ ዘሕዝን ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

“ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝተፈፀመ ኢሰብኣዊ ተግባር ብጣዕሚ ሓዚነ” እውን ኢሎም።

ችግሩን በተለያየ መንገድ ለመፍታት ያደረግነው ጥረት የሚፈለገውን ውጤት አላመጣም ያሉት ጠቅላይ ሚኒስትር ዐቢይ የጠላቶቻችን ዓላማ በጁንታው ላይ የሠነዘርነውን ብርቱ ኃይል ለመበተን ነው ሲሉ በማህበራዊ ገፃቸው ገልፀዋል

እቲ ፀገም ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንምፍታሕ ዝተገበረ ፃዕሪ ዝድለ ውፅኢት ኣየምፀአን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ዕላማ ፀላእትና ኣብ ልዕሊ ጁንታ ዝወሰድናዮ ብርጡዕ ሓይሊ ንምብታን ኢዩ” ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገጾም ገሊፆም።

እዚ ድማ ክዕወት ኣይኮነን ክብሉ ኣብሪሆም።

መንግስቲ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ዝኾነ ዝተዋደደ ሓይሊ ክዋፈር ከምዝተገበረ ኣገንዚቦም።

ዝምልከቶ ኩሉ፤ ዝድለ ውፅኢት ንምርካብ ከምቀደሙ ብትኹረትን ሕብረትን ንኽሰርሕ እውን ፀዊዖም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.