Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ሎሚ መዓልቲ ተፈፂሙ።
ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ካብ ዝሓለፈ ክራማት ጀሚሩ ብዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና ክትትል ሕክምና እናገበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ምሸት ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ ኣሎ።
ስነስርዓት ቀብሩ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9፡00 ኣብ ኮልፌ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሙስሊም ተፈፂሙ።
ጋዜጠኛ፣ ኣርቲስትን ተመራማሪ ቋንቋን ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ብዙሓት ነፀላ ዜማታት ዘበርከተ እንትኸውን፥ ኣርባዕተ ዓይነት መሳርሒታት ሙዚቃ ምጭዋት ይኽእል ነይሩ።
ኢብራሂም ደራሲ ግጥምን ዜማን ከምዝነበረ ብቐረባ ዝፈልጥዎን ናቱ ስራሕቲ ዝተፃወቱን ይምስክርሉ።
ሬዲዮ ፋና ኣብ 1987 ዓ.ም እንትጣየሽ ናብ ፋና ካብ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ሓደ እንትኸውን፥ ፕሮግራም ኣፋን ኦሮሞ ኣሰናዲኡ ብምቕራብ ይፍለጥ።
ኢብራሂም ሓጂ ዓሊ ኣብ ሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ክሳብ ኤዲተርነት ዘገልገለ እንትኸውን፥ ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ጋዜጠኛ ስፖርት ነይሩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.