Fana: At a Speed of Life!

በቢመዓልቱ ልዕሊ 300 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ናብ ፅኑዕ ሕክምና ከምዝኣትዉ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በቢመዓልቱ ልዕሊ 300 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ከምዘድሊዮምን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ክሳብ 50 ዝበፅሑ ንመተንፈሲ ኣካል ዝሕግዝ ማሽን ዘድሊዮም ምዃኑን ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱን ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ዘድሊዮም ዝኣትዉን ሰባት ቁፅሪ ይውስኽ ኣሎ።

በቢመዓልቱ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ልዕሊ 300 ተሓከምቲ ኮቪድ-19 ክትትል ፅኑዕ ሕክምና ዘድሊዮም እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ካብ 40 ክሳብ 50 ዝበፅሑ ንመተንፈሲ ኣካል ዝሕግዝ ማሽን ዘድሊዮም ኢዮም ኢሎም፡፡

በቢ መዓልቱ ዝግለፅ ቁፅሪ ምርመራ ካብ ውሽጢ ዝግበረሎም ጥራሕ ስለዝኾነ ትኽክለኛ ቁፅሪ ኣየርእይንዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ሕዚ እናተመርመረ ዘሎ በዝሒ ሰብ ኣብ መዓልቲ ካብ 4 ክሳብ 5 ሺሕ ስለዝኾነ ካብ ዝምርመር ብሰለስተን ኣርባዕተን ዕፅፊ እንተዝግበር ውፅቱ ክብ ምባሉ ከምዘይተርፍ ኣገንዚቦም።

ቅድሚ ሕዚ እቲ ቫይረስ ዝርከቦም ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ክልልን ከምዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ልዕሊ 900 ኣብ ዝኾና ወረዳታት እቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት ከምዝተረኸቡን ገሊጾም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝግበር ምርመራ ክሳብ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ጥራሕ ቫይረስ ኮሮና ይርከቦም ከምዝነበረን ሕዚ ግና ካብ 10 ክሳብ 15 ሚኢታዊ፤ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ድማ ክብ 30 ክሳብ 40 ሚኢታዊ እቲ ቫይረስ እናተረኸበ ከምዝኾነን እውን ተዛሪቦም።

ብመንፅ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ድማ፥ ሚኒስቴር ጥዕና ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ወፍሪ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ከካይድ ኢዩ ምባሎም ካብ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.