Fana: At a Speed of Life!

እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንራብዓይ ግዜ መረፃ ክተካይድ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ክልተ ቀንዲ ተናሓናሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እስራኤል ዘቖሙዎ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት በጀት ክሰማማዕ ስለዘይከኣለ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንራብዓይ ግዜ መረፃ ክተካይድ ክትግደድ እያ።

እቲ መረፃ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ካብ’ቲ ዝሓለፈ መረፃ ድሕሪ 12 ወርሒ እዩ።

እቶም ቅድም ክብል ዝተኻየዱ መረፃታት፥ ሓደ ሰልፊ ዓብላሊ ኾይኑ ክዕወተሎም ኣይከኣለን ነይሩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ’ታ ሃገር ዘይተለምደ ልፍንታዊ መንግስቲ ክቐውም ምኽንያት ኮይኑ።

እቶም ብብልሽውና ተኸሲሶም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረኣይ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ፥ ንሻድሻይ እዋን መዝነት ንምጭባጥ ክወዳደሩ ኢዮም።

ኔታንያሁ ነቲ ቐሪቡሎም ዘሎ ገበናዊ ክስታት ዘይተቐበልዎ እንትኾኑ፥ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ክሲ ኢዩ ክብሉ ነፂገምዎ።

ሃገራዊ ባይቶ እስራኤል በቲ ዝተቐመጠሉ ገደብ መዓልቲ ሃገራዊ በጀት ከፅድቕ ስለዘይከኣለ ብመሰረት ሕጊ ሰሉስ ፍርቂ ለይቲ ፈሪሱ’ሎ።

እዚ ምስኣጋጠመ መራሒ የማናዊ ሰልፊ ሊኩድ ፓርቲ ቤንያሚን ኔታንያሁን ተነሓናሒኦም ቤኒ ጋንትዝን በዚ ቅልውላው ንሕድሕዶም ወቒሶም።

“ኣነ ነዚ መረፃ ኣይደለኹዎን ነይረ” ክብሉ ቤንያሚን ኔታንያሁ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።

“ሰልፊ ሎኩድ ነዚ መረፃ ኣይደለዮን ነይሩ። መረፃ ክካየድ የብሉን ኢልና ብተደጋጋሚ ኢና ኣድሚፅና። ቤኒ ጋንትዝ ግን ምሳና ንዝነበሮ ስምምዕ ዓፂፉ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ንሶም ዝመርሕዎ ሰልፊ ሊኩድ፥ ኣብ’ቲ 23 መጋቢት ክካየድ መደብ ተታዘዝሉ ዘሎ መረፃ ክዕወት እዩ ኢሎም።

ጋንቴዝ ብወገኑ፥ ንዘረባ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር “ሓሶት” ክብል ዝገለጾ እንትኸውን፥ ኔታንያሁ በቲ ቀሪቡሎም ዘሎ ናይ ብልሽውና ክሲ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀርቡ መታን እዮም ነዚ መረፃ ክካየድ ደልየምዎ ክብል ተዛሪቡ።

ኔታንያሁን ጋንትዝ ካብ ሚያዝያ ጀሚሮም ልፍንታዊ መንግስቲ ብምቛም ስልጣን ተመቓሪሖም እዮም ፀኒሖም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.