Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ደገፍ ኣቋሪፁ ብዝብል ዝተወዘዐ ሓበሬታ ጌጋ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሕብረት ኣውሮፓ ብምኽኒያት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ደገፍ ኣቋሪፁ ብዝብል ዝተወዘዐ ሓበሬታ ጌጋ ከምዝኾነ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ሕብረት ኣውሮፓ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2014 ክሳብ 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት መፈፀሚ ዝውዕል ካብ ዝለገሶ 815 ሚሊየን ዩሮ እቲ ኣስታት 95 ሚኢታዊ ኢትዮጵያ ብኣግባቡ ከመዝተጠቐመት ተዛሪቦም።

ዝተረፈ ደገፍ ገንዘብ ንምልቃቕ ድማ ኣብ ከልል ትግራይ ኣብ ዝተፈፀመ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ምሙላእ ዝግበኦም ቅድመ ኩነታት ከምዘቐደመ ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ብመሰረት ዝነበረ ዝፀንሐ ስምምዕነት ኣብቲ ከባቢ ሰብኣዊ ደገፍ ንክቐርብ፣ ዓለም ለኻዊ ሚዲያታት ነቲ ጉዳይ ንኽከታተሉ፣ ጉድኣት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ንክማልኡን እቲ ጉዳይ ብገለልተኛ ኣካል ንክፃረን ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።

ይኹን እምበር እቲ ቅድመ ኩነት ብዝተሰሓሓተ መገዲ ብምውሳድ ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ደገፍ ኣቋሪፁ ብዝብል ዝተወዘዐ ሓበሬታ መሰረት ኣልቦ ኢዩ ኢሎም።

ምስ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ክሳብ ሐዚ ዝተፈጠረ ዓለም ለኻዊ ገድፈት የለን ዝበሉ አምባሳደር ዲና፥ ሕብረት ኣውሮፓ ውሽጣዊ ሰላም ኢትዮጵያ  ነዚ ቀጠና ንምርግጋዕ ማእከል ከምዝኾነን ኢትዮጵያ ተምሳሌት ሰላም ኣፍሪካ ከምዝኾነትን ተቐቢሉ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.