Fana: At a Speed of Life!

ሕውነት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንሓበራዊ ምዕባለ ወሳኒ ኢዩ -ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕውነት ኢትዮጵያን ሱዳንን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንክበፅሕ እወንታዊ ባህጊ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

መበል ካልኣይ ዙር መድረኽ ዘተ ላዕለዎት ብርኪ ፖለቲካ ጉዳያት ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ኣብ ሱዳን፣ ካርቱም ይሳለጥ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ናይ ሓባር ከባቢ ዶብ እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣይተ ደመቀ ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣሜሪካ ኣብ ለዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዝነበረት ማዕቐብ ብምልዓላ ሱዳን ዝሓሸ ዕብየትን ርክብን ንክህልዋ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ሱዳን ንዘሎ ኩለ መዳይ ዕብየት ኣፍልጦ ምሃብ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ናብ ዕብየት ዘሻገር ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ንዝካየድ ለውጢ ደገፍ ከምእትገብር እውን ተዛሪቦም።

ህዘብን መንግስቲን እታ ሃገር ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብምርድኦምን ብምድጋፎምን አወን አመስጊኖም።

ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዶብኣቋሪፆም ኣብ ሱዳን ንዝተዓቖቡ ዜጋታት ዝተገበረ ኣቀባብላን ደገፍን ንኢዶም።

ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዓወት ምዝዛሙ ብምርዳእ፥ ኣብቲ ክልል ሰላም ምንጋሱ፣ መሰረተ ልምዓታት ፀጊንካ መሊስካ ናብ ስራሕ ንምእታውን ሰብኣዊ ደገፍ ንምቕራብን ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ሱዳን ካብ ዝተዓቖቡ ናብ ሃገሮም ይምለሱ ከምዘለዉ ብምሕባር፥ እቶም ዝተረፉ ድማ ብድልየቶም ናብ መረበቶም ንክምለሱ መንግስቲ ኣድላዪ ደገፍ ክገብር ኢዩ ኢሎም።

ህዝቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣሕዋት ህዝብታት ምዃኖም ዝሓበሩ ኣይተ ደመቀ፥ ሓቢርካ ንምንባር ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ምብፃሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ምትእስሳር ኢኮኖሚ ብምጉልባት ኩለመዳይ ተረባሕነት ክልቲአን ሃገራት ንምርግጋፅ ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም።

እተን ሃገራት ብዝበለፀ ብትራንስፖርት፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምትእስሳር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምጥንኻር ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣብ ከባቢ ዶብ ዝካየድ ንግዲ፣ ሰላምን ድሕንነትን ብምጥንኻር ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ምግባር ከምዝከኣል ኣረዲኦም።

ብመሰረት እዚ ዝተጀመሩ እወንታዊ ስራሕቲ ብምጥንኻር ናብ ተግባር ምእታው ይሓይሽ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ ቅድሚ 2 ዓማውቲ ዝተፈረመ ኣድ ዶብ ዝግበር ንግዲ ብምምሕያሽ ናብ ተግባር ምቕያር ኣፍሪካ ንዝጀመረቶ ነፃ ቀጠና ንግዲ ፅቡቕ ኣብነት ክኸወን ከምዝኽእል ኣረዲኦም።

ክልቲአን ሃገራት ሓደ ኢየን ዝበሉ ኣየተ ደመቀ፥ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከባቢ ዶብ ዘጋጠመ ፀገም ነዚ ዘየገናዘበ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ካብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጀሚሩ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢ ዶብ ብከቢድ ኣፅዋር ኲናት ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ እናፈፀመ ከምዝፀንሐ ብምሕባር፥ ፍሪያት ሓረስቶት ከምዝወረረን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐን ተዛሪቦም።

መነግስቲ ኢትዮጵያ ንቲ ጉዳይ ብትኹረት ይከታተሎ ከምዘሎ ብምርዳእ፥ እቲ ፀገም ብምዝርራብ መፍትሒ ምምፃእ ኣድላዪ ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዶብ ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፥ ብመሰረት እዚ ሰላምን ድሕንነትን ምሕላው ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

ጎንፂ ምብእኣስ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ይኹን ነተን ሃገራት ዝጎድእ እንበር ዝረብሕ ነገር ከምዘይብሉ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ዘለዎ እወንታዊ ጉርብትና ብምጥንኻር ንሓበራዊ ተረባሕነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.