Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ጉድኣት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምፅጋን ኩለን ከተማታትን ጣቢያታት ገፀርን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓይሊ ንክረኽባ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ጉድኣት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምፅጋን ኩለን ከተማታትን ጣቢያታት ገፀርን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓይሊ ንክረኽባ ንምግባር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማታት ዋጃ፣ ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ማይጨው፣ መኾኒ፣ ዓዲጎሹ፣ ዓዲ ጉደም፣ ኲሓ፣ መቐለ፣ ውቕሮ፣ ኣጉላዕ፣ ዓዲግራት፣ ሓውዜን ኣብ ትሕቲ ክልል ዓፋር እትርከብ በራሕለ ሙሉእ ብሙሉእ ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ከተማታት ፍረወይኒ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ዓብይ ዓዲ፣ ዛላንበሳ፣ ደውሃን፣ የጭላ፣ ሃገረ ሰላምን ኣፅቢን ኣብ ቀረባ እዋን ኤሌክትሪክ ክረኽባ ኢየን።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ውሱናት ከባቢታት ክልል ትግራይ ብምንቅስቓስ ማእኸላት መውሃቢ ኣገልግሎት ተዓዚቦም።

እቲ ጉጅለ ክሳብ 12 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ትዕዝብቲ ኣብ ዝገበረለን ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ኲሓ፣ ውቕሮ፣ አጉላዕ፣ ፍረወይኒ፣ ዕዳጋሓሙስ፣ ነጋሽ፣ ዓዲግራት ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ቢሮታትን እቲ ኣገልግሎት ከምኡውን ኣብ ከይዲ ፅገና ዘርከቡ ሰብ ሙያታት ብምዕዛብ ካብ ምትብባዕ ብተወሳኺ ዘጋጠሞም ፀገማት ብምፍላይ ኣብ ቀፃሊ ክግበሩ ዝግበኦም ደገፋት ፈሊዩ ሒዙ።

እቶም ሰራሕተኛታት ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኮይኖም ሕብረተሰብ ኤሌክትሪክ ንክረክብ ልዑል ርብርብ ይገብሩ ከምዘለዎም ተገሊፁ።

እቶም ጉድኣት ዝበፅሖም መስመራር መሊስካ ብምፅጋን ናብ ስራሕ ንምእታው በዓል 50 ኤሲ 45 ሺሕ ሜትር፣ በዓል 95 ኤሲ 9 ሺሕን ኮምፖስድ ኢንሱሌተርን ዝተብሃሉ እታዎታት ነቲ ክልል ዝተውሃቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ኔትዎርክ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምፅጋን እውን ቀፃሊ ደገፍ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.