Fana: At a Speed of Life!

መበል 38 ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ኣባላ ሃገራት ኢጋድ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 38 ህፁፅ ጉባኤ መራሕቲ ኣባላ ሃገራት ኢጋድ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።

ኣብ ጂቡቲ ዝተሳለጠ እቲ ጉባኤ፥ ኢጋድ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉዳያት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣንፈት ኣቐሚጡ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ወፍሪ ሕገ-መንግስቲን ሓድነት ሃገርን ብምሕላው ምሕላው ምርግጋእ ከምዘምፀአ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

ኢጋድ ብግድኡ፥ ምስ ወፍሪ ምኻባር ሕጊ ተተሓሒዙ 19 ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ዘተኣማምን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሕ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ንኢዱ፡፡

ምስ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣብታ ሃገር ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ ዝተርኣየ ከይዲ ስግግር ዴሞክራሲ ብምድናቕ፤ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጁባ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንኢዱ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ተናሓናሕቲ ሓይሊታት ኣብ ተፈፃምነት እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኽሰርሑን መንግስቲ ሱዳንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ናይ ስግግር እዋን ሕጊ ዘውፅእ ቤት ምኽሪ ንኽምስርቱ ሓቲቱ፡፡

እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ጉባኤኡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ፓርቲታትን መንግስቲን ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣተገባብራ ዝተመሓየሸ ውሳነ ሓሳብ ጎንፂ እታ ሃገር ዘርአዩዎ ፃዕሪ ዝድነቕ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ ተነሓናሕቲ ሓይሊታት ዘቋረፁዎ ድርድር ሰላም ንኽቕፅሉን ቅድሚ ሕዚ ዝበፅሑዎም ስምምዓት ተፈፃሚ ንኽገብሩ ፀዊዑ፡፡

ሃገረ ሶማሊያ ብዝምልከት ድማ ስምምዕነት መንግስቲ ፌዴራልን ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን እታ ሃገር ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብ ሶማሊያ ሓይሊ መኽበሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ (ኣሚሶም) ዝሕገዝ ሓይሊ ፀፅታ ንኣልሸባብ ኣብ ምውጋእ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣብ መግለፂኡ ኣዘኻኺሩ፡፡

ሶማሊያ ምስ ሶማሊላንድ ዝጀመረቶ ዘተ ብምንኣድ መንግስታት እቲ ዞባ ንዕዉትነት እቲ ዘተ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብ ቫይረስ ኮሮና ዝምልከት፥ ኢጋድ ዝርገሐ ቫይረስኮሮ ንምክልኻል ዝነደፎ ስትራቴጂ ብምድጋፍ ሕብረት ኣውሮፓ ጊዚኡ ዝሓለወ ሓገዝ ብምግባሩ ኣመስጊኑ፡፡

እቲ ለበዳ ንምምካት ሴክሬታሪያት ኢጋድ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምትእኽኻብ ምስ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት ብምውዳድን ፃዕሪታት ብምድንፋዕን ንዘርአዮ ትግሃት ምስጋና ኣቕሪቡሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.