Fana: At a Speed of Life!

ጁንታ ህወሓት ካብ ቤት ህንፀት ብምልቃቕ ንዘረፋ ዘዋፈሮም ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ህወሓት ካብ ቤት ህንፀት ብምልቃቕ ንዘረፋ ዘዋፈሮም ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ተግባር ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ኣብ ፖሊስ ፌዴራል ሓላፊ ዘፈር ምክልኻል ገበን ምክትል ኮሚሽነር መላኩ ፋንታ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።

እቶም ምክትል ኮሚሽነር፥ ጁንታ ህወሓት ከተማታት ለቒቑ ቅድሚ ምሕብኡ ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ዝነበሩ ገበነኛታት ኣዕጢቑ ብምልቃቕ ኣብ ከባቢ ከተማታት ዝርፊያ ንኽፅሙ ከምዝገበረ ገሊፆም።

እቶም ገበነኛታት ንብረት ትካላት መንግስቲ እንተይተረፈ ከምዝዘረፉ ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ፖሊስ ፌዴራል ምስ ሕብረተሰብ ብምውዳድ ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ተግባሩ ኣጠናኺሩ እናቐፀለ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

ገበነኛታት ዝተዓጠቑዎ ኣፅዋር ናይምፍታሕ ተግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ካብብዚ ብተወሳኺ፥ ዘይሕጋዊ ጁንታ ህወሓት ኣብ ትካላት መንግስቲ ዝነበሩ ሰነዳትን ሰነድ ዝሓዙ ኮምፒዩተራትን ኣቃፂሉ ከምዝሃደመ እውን ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ፖሊስ እናሰርሖ ዝርከብ ተግባር ኣብ ምሕጋዝ ርኡይ ተራ እናበርከተ ከምዝርከብ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.