Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ጁንታ ህወሓት ቀቢሩዎ ዝነበረ 13 ታንከር ነዳዲ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታህሳስ፣ 2013(ኤፍቢሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ፍሉት ሽሙ ገብሪኤል እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ጁንታ ህወሓት ቀቢሩዎ ዝነበረ 13 ታንከር ነዳዲ ተረኺቡ።

ኣብቲ ታንከር ልዕሊ 200 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ከምዝተረኸበ እውን ተሓቢሩ።

ምክትል ኦፕሬሽናል ኣዛዚ ቀዳማይ ሻለቃ ካልኣይ ብርጌድ መበል 25 ክፍለ ሰራዊት ፈንቅል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሻምበል ዮሐንስ ማቲዎስ ከምዝበልዎ፥ እቲ ጁንታ ንኲናት ብምሕሳብ ብሕቡእ ኣቀሚጡዎ ዝነበረ 13 ታንከራት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝገበሮ ዳህሳስ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ።

ህዝቢ ትግራይ ብሕፅረት ነዳዲ ንክፅገም ብምግባር ወሪሩ ንባዕሉ መፈፀሚ እኩይ ተግባር  ዓሊሙ ቀቢሩዎ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

እቲ ዝተሓብአ ነዳዲ ንምርካብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንዝገበሮ ምትሕብባር ንኢዶም።

ኣብ መቐለን ከባቢኡን ብዝተገበረ ዳህሳስ ንዘይሕጋዊ ተግባር ክውዕሉ ተሓሲቦም ዝነበሩ ናውቲታት ከምዝተትሓዙ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.