Fana: At a Speed of Life!

ሓላፊ ሎጀስቲክ እዚ ሰሜን ሜጀር ጀኔራል ከድር ኣራርሶ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓላፊ ሎጀስቲክ እዚ ሰሜን ሜጀር ጀኔራል ከድር ኣራርሶ ናብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣራዳ ምድብ መጋባእያ ቀሪቦም።

ተጠርጣሪ ህወሓትን ኦነግ ሽኔን ካብ ዝተብሃሉ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ብምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብሓይሊ ንምፍራስ ፈተነን ገበን ክሕደት ሃገርን ብምፍፃም ተጠርጢሮም ጊዘ ምርመራ ተሓቲቱዎም ከምዝነበረ ይዝከር።

እቶም ተጠርጣሪ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣፅዋራት ኲናት ናብ ማእኸል ሃገር ንምምፃእ እንትደሊ እቲ ኣፅዋር ካም መቐለ ንከይወፅእ ዝተቓወሙን ሰባት ዝወደበ ከምዝኾነን ምስ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሱማሌ ዝነበሩ ኣብዲ ኢሌ ብምዃን ተወለድቲ ክልል ኦሮሚያ ከምዘጨፍጨፉ መረዳእታ ከምዘለዎ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

መርማሪ ፖሊስ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊን ውልቀን ባንኪታት ናይ ገንዘብ ቅያረታት ንምፅራይ፣ ዘይተትሓዙ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል፣ ኣብ ዘለውሉ ንምትሓዝን ምስ እቶም ተጠርጠርቲ ዘለዎም ርክብ ገበን ብመረዳእታ ንምፍላይ ተወሳኺ 14 መዓልታት ጊዘ ቆፀሮ ንክወሃቦ ሓቲቱ።

እቲ ቤት ፍርዲ ሕቶ ተወሳኺ መዓልታት ምርመራ ምስ ኣዳመፀ ምላሽ ተጠርጣሪ ዘዳመፀ እንትኸውን፥ እቲ ተጠርጣሪ ገበን ካብ ዝተፈፀመሉ እዋን ኣቐዲሙ ካብ ወርሒ ሓምለ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ነሕክምና ኣብ ወፃኢ ዓዲ ከምዝነበሩን ንዝቐረበ ክሲ ዘይቕበሉዎን ከምዝኾኑ መሰል ውሕስና ንክኽበረሎም ሓቲቶም።

እተ ቤት ፍርዲ የማነ ፀጋም ክትዕ ድሕሪ ምድማፅ ተጠርጣሪ ዘቕረብዎ መሰል ውሕስና ውድቂ ገይሩ።

ብመንፅር ዝተጠርጠርሉ ገበን መረዳእታ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ብምእማኑ 8 መዓልታት ተወሳኺ ጊዘ ቆፀሮ ብምፍቃድ፥ መርማሪ ፖሊስ መረዳእትኡ ኣጠናኺሩ ንክመፅእ ኣዚዙ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.