Fana: At a Speed of Life!

ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝነበሩ ተጋሩ ይዘተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝነበሩ ተጋሩ ይዘተ ምህላዉ ተገሊፁ።

ዕላማ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምኽባር ሕጊን ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝሳለጥ ዘሎ ነቲ ክልል መሊስካ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲን ግደ መንእሰይ እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ ንምልዛብ ኢዩ።

ከምኡውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር መናእሰይ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ምኽኣል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ሐዚ እዋን ነባራዊ ኩነታት እቲ ክልል፣ ኣብ ከይዲ ለውጢ ኣብ ከባቢ ትግራይ ዝነበሩ ክፍተታት፣ ኣድላይነት ለውጢ ኣብ ከይዲ ኢህወዴግ  ኣድሂቡ ዘተ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ምስረታ ብልፅግናን ህወሓት ኣብ መወዳእታ ሰዓት ምንስሓብን ትንኮሳ ህወሓትን ዝምልከት ፅሑፍ እውን ይቐርብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መድረኽ ብምክትል ፕሬዚዳንት ሊግ መናእሰይን ካልኦት ኣመራርሓ ሊግ መናእሰይን ይምራሕ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

ኣብ መበገሲ እቲ ፅሑፍን ኣብ ካልኦት ክልላዊ ሃገራዊ ኩነታትን መበገሲ ብምግባር ሰፊሕ ዘተ ከምዝግበር እቲ ፓርቲ ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.