Fana: At a Speed of Life!

ጃንሜዳ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ከምዝምለስ ወ/ሮ ኣዳነች ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጃንሜዳ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ከምዝምለስ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።

ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መናእሰይ፣ ቤተሰብ ስፖርትን ኣርቲስታትን ብምዃን ኣብ ጃንሜዳ ወፍሪ ፅሬት ኣካይዶም።

ወ/ሮ ኣዳነች እቲ ሜዳ ንበዓል ጥምቀት ድሉው ንክኸውን ዝስራሕ ስራሕ ኣብ ፅቡቕ ኩታት ኣሎ ኢለን።

ስለዝኾነ ጃንሜዳ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ከምዝምለስ ገሊፀን።

ዕዳጋ ኣትክልቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእክል ስራሕ ጎድኒ ንጎድኒ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ሓቢረን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ጃንሜዳ ዝነበሩ ነጋዶ ኣትከልቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ ሃይሌ ጋርመንት ሙሉእ ንሙሉእ ክሸጋገሩ ኢዮም ኢለን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.