Fana: At a Speed of Life!

ጆ ባይደን ኣብ መረፃ ኣሜሪካ ተዓዋቲ ምዃኖም ብኮሌጅ ኤሌክቶራል ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጆ ባይደን ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ተዓዋቲ ምዃኖም ብኮሌጅ ኤሌክቶራል ብምርጋጊፁ ብዕሊ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ተሸይሞም።

እቶም ተወከልቲ ግዝኣታት፥ ባይደን ናብ ቤትመንግስቲ ዋይት ሃውስ ክኣትዉ ዘኽእሎም መረጋገፂ ዝረኽቡሉን ካብ ህዝቢ ዝረኸቡዎን ውክልና ንተመራፂ ፕሬዚዳንት ሂቦምዎም፡፡

ነዚ ስዒቡ ተዓዋታይነት ባይደን ኣፍልጦ ዝረኸበ እንትኸውን፥ ጆ ባይደን እውን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 20 ጥሪ 2021 ቃል ማሕላ ክፍፅሙ ኢዮም፡፡

ባይደን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ “ዴሞክራሲ ኣሜሪካ ናብ ሓደጋ ወዲቑ ነይሩ” ብምባል፤ “ሓቀኛን ጥንኩርን ምዃኑ እውን ኣመስኪሩ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ውፅኢት እቲ መረፃ ንምቅልባስ ዝገበሩዎ ፃዕሪ እውን ኮኒኖም፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.