Fana: At a Speed of Life!

ዘይሻራዊ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ዘይሻራዊ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምጥያሹ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።

መመሓየሺ ፕሮግራም መንግስቲ ባዓወት ንምፍፃምን ኣብ ሓፈሻዊ ምዕባለን ምርግጋፅ ቀፃልነትን ኢኮኖሚ ምኽሪ ሰብ ሞያታትን ሙሁራንን ከምኡ እውን ግብረ መልሲ ምቕባል ጠቓሚ ከምዝኾ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ዘይሻራዊ ዝኾኑ ሙሁራንን ሰባ ሞያታትን ሓሳብ ምቕባል ኣካታታይነት ፖሊሲ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ፤ ዘይተረኣዩ ጉዳያት፣ ሃገር ዘለትሉ ሕልኽላኽ ዝኾኑ ፀገማት ድሕንነትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ንምርዳእን ውፅኢታዊ ኣማራፂታት ፖሊሲ ንምምርማርን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ 21 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብዘውፀኦ ምልክታ መሰረት ሕፁያት ኣባላት ዘይሻራዊ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ብሓበሬታን ብምልክታ ስራሕን ምቕባል ምጅማሩ ዕላዊ ገይሩ ከምዝነበረ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ነዚ ፃውዒት ስዒቡ ብሓፈሻ ናብ 29 ዝፅግዑ ሕፁያት ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ሰለስተ ብርኪ ዝተኸፈለ ከይዲ ምፅራይ ምስ ተሳለጠ 16 ሙሁራን ፍቓደኛ ምዃኖም ምስተረጋገፀ ኣባላት ቀዳማይ ዘይሻራዊ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኢኮኖሚ ኮይኖም ምምራፆም ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገዳ

2.ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣበጋዝ

  1. ፕሮፌሰር ጋቢሳ እጀታ
  2. ፕሮፌሰር መላኩ ደስታ
  3. ፕሮፌሰር ሰይድ ሓሰን
  4. ዶክተር ታደለ ፈረደ
  5. ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና
  6. ዶክተር ኣለማየሁ ስዩም
  7. ዶክተር ኣሉላ ፓንክረስት
  8. ዶክተር ዲማ ነገዎ
  9. ዶክተር እሌኒ ገ/መድህን
  10. ፕሮፌሰር ለማ ወልደ ሰንበት
  11. ዶክተር ራሄል ካሳሁን
  12. ዶክተር ሰገነት ቀለሙ
  13. ዶክተር ዮናስ ብሩን
  14. ኣይተ ህላዊ ታደሰን ኣባላት ቀዳማይ ዘይሻራዊ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኢኮኖሚ ኮይኖም ተሓሪዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.