Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተዛዚሙ ኢዩ – ኣምባሳደር ዶ/ር ትዝታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ህንዲ ዶክተር ትዝታ ሙሉጌታ ገሊፆን።

እተን ኣምባሳደር ምስ ዩናይትድ ኒውስ ኦፍ ኢንዲያ ኣብ ዝነበረንፃንሒት፥ ወፍሪ ምኽር ሕጊ ተዛዚሙ ዜጋታት መሊስካ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ከምዝተኣተወ ተዛሪበን።

ዝተረፈ ስራሕ ድማ ዝተሓብኡ ኣባላት ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓልን ናብ ሕጊ ምቕራብን ኢዩ ኢለን፡፡

እቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል መልክዑ ኩሎም ዕላማታት ብዓወት ምዝዛም ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሀን፡፡

ዝተመዛበሉ ዜጋታት መሊስካ ምስ ምጥያሽ ተተሓሒዙ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ልምዲ ከምዘለዎ ኣገንዚበን።

ስለዝኾነ ድማ ቀፃሊ ስራሕ መንግስቲ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱን ኣብ ውሸርጢ ዓዲ ዝተመዛበሉን ዜጋታት ምጥያሽ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.