Fana: At a Speed of Life!

መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበፅሖ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበፅሖን ሓይሊ ኣብ ምፍልፋል ከምዝርከብን መካየዲ ስራሕ እቲ ጣቢያ ገሊፆም።

መካየዲ ስራሕ እቲ ጣቢያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድ ኣብቲ ቦታ ንዝተረኸቡ ጋዜጠኛታት ከምዝገለፁዎ፥ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ ጉድኣት በፂኹዎ ዝተብሃለ ሓሶት ኢዩ፡፡

ግድብ መፈልፈሊ ሓሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ሓይሊ እናፈልፈለ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም መካየዲ ስራሕ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ደብዳብ ኣውሮፕላን ዝብል ዜና ከም ዝኾነ ሰብ ብቴሌቪዝን ድምፂ ወያነን ቴሌቪዝን ትግራይን ዝሰምዑ ምዃኖም ኣብሪሆም፡፡

ግድብ ተከዘ 300 ሜጋ ዋት ሓሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብምኽንያት ምንኣስ ተጠቃሚ 225 ሜጋ ዋት እናፈልፈለ ምዃኑ ትካል ፕሬስ ኢትጵያ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ጁንታ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕተ ምስፈፀመ ካብ ግድብ ተከዘ ዝፍልፍል ሓይሊ ናብ ብሄራዊ ቋት ከይጓዓዝ ብምግባር ንክልል ትጋራይ ጥራሕ ከገልግል ንምግባር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ዓበይቲ መመሓላለፍቲ መስመራት ጉድኣት ከምዘብፀሐሎም ኢንጂነር ከማል ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.