Fana: At a Speed of Life!

መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ማራቶን ኦሎምፒክ ሮም ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ማራቶን ኦሎምፒክ ሮም ሻምበል ኣበበ ቢቂላን ካብ ሜልቦርን (1956) ክሳብ ኦሎምፒክ ሪዮ (2016) ዝነበሩ ውድድራት ኦሎምፒክ ተሳቲፎም ሃገር ዘኹርዑ ጀጋኑ ኣትሌታት ዝዝከሩሉ መርሃ ግብሪ ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ብኣሰናዳእነት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ፥ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣይተ ልያስ ሽኩር፣ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ቱሪዝምን ኣካል እቲ ፕሮግራም ዝኾኑ ጀጋኑ ኦሎምፒክን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.