Fana: At a Speed of Life!

ሜ/ጄ ፃድቃን ገብረተንሳኤ ሓዊሱ 40 ነበር ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፖሊስን መትሐዚ ትእዛዝ ወፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብክሕደት ሃገርን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን  ፌደራል ፖሊስን ክዕገቱ ብምግባር ዝተጠርጠሩ ሜ/ጄ ፃድቃን ገብረተንሳኤ ሓዊሱ 40 ነበር ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን  ፖሊስን መትሐዚ ትእዛዝ ከምዝወፅአሎም ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ካብ መንግስቲን ህዝብን ዝተውሃቦም ከቢድ ሓላፍነት ንጎድኒ ብምግዳፍ መቐመጢኦም ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝገበሩ ፀረ ሰላምን ረ ህዝብን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ልኡኽ ከምዝተቐበሉ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።

እቲ መትሓዚ ትእዛዝ፥ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን  ፌደራል ፖሊስን ዝተኻየደ ማዕገትቲ ከምዝመርሑን ከምዘተሓባበሩን ብምርመራ ዝተረጋገፀሎም 40 ዝኸድዑን ብጥሮታ ዝተገለሉን ተጠርጠርቲ ነበር ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን  ፖሊስን ኢዩ ወፂኡ።

ብመሰረት እዚ ሜጀር ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ፣ ኮሎኔል በርሄ ወልደ ሚካኤል ገብሩ፣ ኮሚሽነር ይህደጎ ስዩም ወልደማርያም ሓዊሱ 40 ነበር ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን  ፖሊስን ናይ መትሓዚ ትእዛዝ ወፂኡሎም ኣሎ።

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ በፍላይ ድማ ደላዪ ሰላም ህዝቢ ትግራይ፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ሰራዊት ፖሊስ ሃገርን ትካላት ድሕንነትን እዞም ኣባላት ጉጅለ ጥፍኣት ጁንታ ህወሓት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይግበር ኣብ ዘሎ ፃዕሪ ሕብረተሰብ ግድኡ ክዋፃእ ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.