Fana: At a Speed of Life!

“ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ድጋፍ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ”ዶክተር ኣብርሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ድጋፍ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ብልፅግና ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም።

ኣፍቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እቲ ሓገዝ ምክፍፋል ስራሕቲ ምጅማሩ ተዛዊሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከተማታት ሽረን ኣላማጣን ንነበርቲ ሓገዝ እናተውሃበ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ሓፂር እዋን ካልኦት ናይቲ ክልል ከተማታት እውን እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዶ/ር ኣብርሃም ገሊፆም።

ብቕድሚ ትማሊ ጥራሕ ናብ ከተማ ሽረ 44 ፅዕነት መኪና ዝተልኣኸ ምግቢ ካልኦት ዘድሊ ኣቑሑ ናፍቲ ህዝቢ እናበፅሐ እዩ ኢሎም።

ሎሚ ጥራሕ ብ30 ፅዓንት መካይን ዝተፅዓነ ድጋፍ እኽሊ መቐለ በፂሑ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.