Fana: At a Speed of Life!

 “ኢትዮጵያ ሓንቲ ኮይና፥ ጁንታ ካብ ወሪዱ ንብሕቱ ቀሪዩ!” – ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጄነራል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጁንታ ብዝፈፀሞ ልክዕ ናይ ሰብ እንስሳ ክኸውን ኢዩ ኢልና ኣይገመትናን ነይርና ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጄነራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወረቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተገበረ ደገፍ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ  ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጄነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ጁንታ ብዝፈፀሞ ልክዕ ናይ ሰብ እንስሳ ክኸውን ኢዩ ኢልና ኣይገመትናን ነይርና ኢሎም።

እቲ ጁንታ ንክልተ ዓመት ኣብ ዝተዳለወሉ ኲናት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክንስዕር ክኢልና ኢና ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኩሉ ነገር ተዛዚሙ ኢዩ፤  ኢትዮጵያ ሓንቲ ኮይና፥ ጁንታ ካብ ወሪዱ እግረኛ ኮይኑ ኢዩ፤ ሐዚ እግረኛ እናባረርና ኢና፤ ንሱ እውን ኣኻኺብና ከንሕዞ ኢና ኢሎም ጀነራል ብርሃኑ።

ህዝቢ ብዘይ ሰራዊት ሰራዊት እውን ብዘይ ህዝቢ መንባር ኣይኽእልን ዝበሉ እቶም ጀነራል፥ ብደገፍ ህዝቢ እቲ ሰራዊት ሰዓሪ ኮይኑ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.