Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፍርዲ ገበን ምፍፃሞም ዘመላኽቱ ሰፋሕቲ መረዳእታታትን ሰነዳታትን ስለዘለዉ 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቤት ፍርዲ እኒ ብርጋዴር ጀነራል ገብረመድህን(ወዲ ነጮ) ሓዊሱ ሸውዓተ ላዕለዎት መኮንናት መርማሪ ፖሊስ ብዘካየዶ ምርመራ ገበን ምፍፃሞም ዘመላኽቱ ሰፋሕቲ መረዳእታታትን ሰነዳታትን ስለዘለዉ 12 ተወሰኽቲ መዓልቲታት ፈቒዱ።

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ምድብ ኣራዳ ቀዳማይ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ፥ ብይሕደር ትእዛዝ ንመሃብ ንሎሚ መዓልቲ ብዘሃቦ መሰረት ተጠርጠርቲ ኣቕሪቡ መርማሪ ፖሊስ ሰፋሕቲ ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታታት ምእካቡ ገሊጹ፡፡

ብምዃኑ ድማ ዝተረፈ ምርመራ ንምግባር ተወሳኺ እዋን የድሊ ኢዩ ብምባል ንመርማሪ ፖሊስ 12 መዓልቲ ዝፈቐደ እቲ ቤት ፍርዲ፥ ተጠርጠርቲ ትማሊ ብዘቕረቡዎ መመርመሪ መሳርሒ ሕማም ሽኮር ይእተወልና ሕቶ ተቐቢሉ፡፡

ብመሰረት እዚ መመርመሪ ኪት ንኸኣትወሎም እንተዘይኮይኑ ድማ ኣብ መዕረፊ ገዝኦም ክትትል ሕክምና ንኽግበረሎም ኣዚዙ፡፡

እቲ መጋባእያ ብተወሳኺ ትማሊ ብዝቐረበሉ ሕቶ “እግድ ሒሳብ ባንኪ ይለዓለልና” መርሚሩ ዘኣገዶ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ነቲ እግድ ዝኣገደሉ ምኽንያት ርኢቶ ንኸቕርብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.