Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይን ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁኑ ኬንያታን ምስ ነበርቲ ከተማ ሞያሌ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁኑ ኬንያታን ምስ ነበርቲ ከተማ ሞያሌ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ምስ ነበርቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፥ ዶብ ተሳጋሪ መሰረተ ልምዓታት ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምምዕባል ቀጠናዊ ምትሕብባርን ንግዲን ዘዕቢ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ከባቢ ጎንፂ ማሕበረሰብ ንክህሊ ንዝገብሩ ኣካላት እቶም መራሕቲ ምስ ሕብረተሰብ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣጠንቂቖም።

ኣብ ናይ ሓባር ዶብ ንምርግጋፅ ሰላም ሰብ መዚ ከልቲአን ሃገራት ብሓባር ከመዝሰርሑ እቶም መራሕቲ ተዛሪቦም።

እቶም መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ዘተኣሳስር ኣካል ፕሮጀክት ህንፀት ኮሪደር ሞምባሳ-ናይሮቢ -ኣዲስ ኣበባ  ዝኾነ መገዲን ጣቢያ ተፍቲሽን ሃዋሳን ሞያሌ ብምምራቕ ከምዝኸፈቱ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.