Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ዘተኣሳስር ፕሮጀክት መገዲን ጣቢያ ተፍቲሽን ሃዋሳ ሞያሌ ሎሚ መዓልቲ ክምረቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ዘተኣሳስር ኣካል ፕሮጀክት ህንፀት ኮሪደር ሞምባሳ-ናይሮቢ -ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ መገዲን ጣቢያ ተፍቲሽን ሃዋሳን ሞያሌ ሎሚ መዓልቲ ክምረቕ ኢዩ።
ህንፀት ኮሪደር ሞምባሳ – ናይሮቢ – ኣዲስ ኣበባ ዝኾነን 500 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን መገዲ ሃዋሳ ሞያሌን ጣቢያ ተፍቲሽ ሞያሌን ኢዩ እቲ ሎሚ መዓልቲ
ዝምረቕ።
ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኮሚኒኬሽን በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኣይተ ሳምሶን ወንድሙ ከምዝበልዎ፥ እቲ መገዲ 6 ነጥብ 3 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ኢዩ።
እቲ ወፃኢ ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብዝተናውሐ እዋን ዝኽፈል ልቓሕ ዝሽፈን ከምዝኾነ እወን ተዛሪቦም።
እቲ መገዲ ኣብቲ መስመር ንዝርከባ ከተማታት ዞባታት ሕርሻን ኢንዱስትሪን፣ መዕረፊ በፃሕቲ ዓዲ ብዘበናዊ መገዲ ካብ ምትእስሳሩ ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኬኒያን ክልቲኣዊ ርክብ ልውውጥ ንግዲ ንምዕባይ ረብሓ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.