Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ዝርከቡሎም ዝግበር ሰባኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣29 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣብ ኣላማጣ፣ መኾኒ፣ ጨረጨር፣ ዳንሻ፣ ማይካድራን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ዝርከቡሎም ዝግበር ሰባኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ዓለ፣ ለኸ ትካላት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ሚኒስቴር ሰላምን ተፀዋዒ ትካል ብሄራዊ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ብምትሕብባር፥ ብዙሓት ፅዕነት ምግቢን ኣቑሑትን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ምብፀሐን ተገሊፁ።

እቲ ዝርገሐ ከም መጠን ጉድኣት ቅድሚያ ብመሃብ ብዝተዋደደ ኩነታት እናተተግበረ ከምዝርከብ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ ሕብረተሰብ መሊስካ ክሳብ ምጥያሽ ዝዘልቕ እንትኸውን፥ ብዝምልከቶም ኣካላት ፀገም ተበፃሕነት ከይህሉ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝርከብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.