Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጁባ ምስ ኣመራርሓ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባ ኢትዮጵያውያን ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ህዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ጁባ ምስ ኣመራርሓ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባ ኢትዮጵያውያን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ዘተ ተኻይዱ።

ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ማሕበር ኮሚኒቲ ኢትዮጵያ፣ ማሕበራት ሓገዝ፣ ቤት ምኽሪ ህዳሰ፣ ኮሚኒቲ ቢዚነስን ማሕበራት ሆቴልን ምስ ዝተወከሉ ኣመራርሓታት ኢዩ እቲ ዘተ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምኽባር ሕጊን ህይወቶም ንዝሰኣኑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፀሎት ሕሊና ብምግባር ኢዩ ተጀሚሩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዛዕባ እቲ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ዘለዎ ኩነታት ከምኡውን ክሳብ ሐዚ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሳብ ሐዚ ብዛዕባ ዝተገበረ ደገፍ መብርሂ ሂቦም።

ኣብዚ እዋን ክልል ትግራይ ከምኡውን ጉድኣት ዝበፅሖም ኣባላትን ቤተሰብን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መሊስካ እግሪ ምትካል ኣድላዪ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ተወከልቲ ነቲ መሊስካ እግሪ ንምትካል ግደኦም ከምዝፃወቱ ድልውነቶም ገሊፆም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ቦንድ ንምግዛእ ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 50 ሺሕ ዶላር ተኣኪቡ ኣተዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.