Fana: At a Speed of Life!

ግዚያዊ ምምሕዳር ትራራይ ምስ ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ነበርቲ ከተማታት ዛላምበሳ፣ ዓዲግራት፣ ዕዳጋ ሓሙስን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ነበርቲ ኣብ ጎኒ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምዃን ንዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ክሰርሑ ተሓቲቱ፡፡

ኣባል ኮሚቴ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣይተ ሃፍታይ ገብረማርያም፥ ዘተ ኣብ ዝተገበረለን ኩለን ከባቢታት ትካላት መንግስቲ ናብ ስራሕ ኣቲየን ኣግልግሎት ንኽህባ ከምዝሓተቱ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ድማ ትካላት ጥዕና፣ መብራህቲ፣ ቴሌኮምን ካልኦት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላትን ብቕልጡፍ ስረሐን የጀምሩልና ዝብሉ ሕቶታት ብስፍሓት ከምዝተልዓሉ ተዛሪቦም።

ጉጅለ ህወሓት ብመንግስቲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ካብ ዝውገድ ንደሓር ህዝቢ ብፍትሓዊነት ዘመሓድሮ ኣካል ከምዝደሊ ምሕታቶም እውን ገሊጾም።

ኣባል እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ወይዘሮ ሳባ ገብረማርያም ብግደአን፥ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ቅድሚያ ኣብ ከተማታት ግዚያዊ ምምሕዳራት ብምጥያሽ ሕቶ ህዝቢ ብኸይዲ ንኽፍትሑ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፀን።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ክልል ትግራይ ብምዝውዋር ምስ ህዝቢ እናተዛተዩ ከምዝርከቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.